ብሎግ ስለምንታይ?
ብሎግ ብ መልክዕ ጽሑፍ ሓሳባት ዝግለጹሉን ናብ እቶም ሓሳባት ከገድስዎም ዝኽእሉ ሰባት ዝቐርቡሉን መንገዲ እዩ። ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ሓሳብ ክለዋወጡ ልሙድ ካብ ዝዀን ጸኒሑ ኣሎ። ይዂን እምበር ማሕበራዊ ሚድያ ብ ባህሪ ኡ ሓጸርቲ፣ ግዜያዊን ስምዒት ተንከፍን ሓሳባት ስለዘበረታትዕ ስፍሓትን ዕምቆትን ሓሳባት ንምትእንጋድ ብሎግ ካብ መጽሓፍ ቀጺሉ ህሓሸ መማረጺ እዩ።